እንታይ መሰላት ከም ዘሎካ ትፈልጥዶ?

ኩሉ ሰብ ማዕረ ክብሪ ኣለዎ። ንስኻን ካልኦት ቆልዑን መንእሰያትን ኣብ ውሑስ ኣከባቢ ክትዓብዩ መሰል ኣለኩም።

ንስኻ ነዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ብዚልምከት መሰል ኣሎካ፣

  • ንምንታይ ኣብ HVB ወይ ኣብ ገዛ ቤተሰብ ክትነብር ከም ዘሎካ
  • ሰባት መደባት ከውጽኡልካ ኸለዉ ምሳታቶም ንምዃን፡ ንኣብነት ክሳዕ መኣስ ኣብቲ ዘለኻዮ ቦታ ከም እትጸንሕ ከምኡውን ጸኒሕካ ናበይ ክትግዕዝ ከም ዘሎካን ኪውሰነልካ ኸሎ።
  • ማሕበራዊ ኣገልጋሊኻ መን ምዃኑ ንምፍላጥን ከመይ ጌርካ ክትረኽቦ ወይ ክትረኽባ ከም እትኽእልን።
  • ማሕበራዊ ኣገልጋሊ ክረኽበካን ክበጽሓካን ተኸታቲሉ ኩነታትካ ኪፈልጥን ግዴታ ከም ዘለዎ።
  • ምስቲ ማሕበራዊ ኣገልጋሊ ብብሕቲ ምዝራብ።
  • ርእይቶኻ ክትገልጽን ክትስማዕን ከም ዘሎካ።
  • ንኸይትቕጻዕ።
  • ብዛዕባኻ ዚጸሓፍ ንምፍላጥ። ሓደ ነገር ምስ ዘይርደኣካ ወይ ዝያዳ ክትፈልጥ ምስ እትደሊ ደጋጊምካ ክትሓትት ከም እትኽእል።
  • ሓደ ነገር ጌጋ እዩ ኢልካ ምስ እትሓስብ ርእይቶኻ ኣብ ናትካ መዓልታዊ መዝገብ ክትምዝግቦ መሰል ከም ዘሎካ።

 

 ዕድመኻ ልዕሊ 15 ዓመት ምስ ዚህልወካ እዚ ዚስዕብ መሰላት ኣሎካ፣

  • ነቲ ማሕብራዊ ኣገልግሎት ዘድልየካ ነገራት ንምሕታት።
  • ነቲ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዚውስነልካ ውሳነ ይግባይ ምባል።
  • ነቲ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዚህቦ ርእይቶ ምቕባልን ዘይምቕባልን። ንኣብነት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ናብ HVB ወይ ናብ ናይ ቤትሰብ ገዛ ምስ ዚምድቡኻ ካባኻ ኣወንታዊ መልሲ ኪጽበዩ ኣለዎም። ይኹንምበር እቲ ውሳነ LVU-vård ክንክን ዚምልከት ምስ ዚኸውን ይግባይ ኣይሰርሕን እዩ።

 

ቤትትምህርትን ካልእ ንጥፈታትን

እዚ ዚስዕብ መሰል ኣሎካ፤ 

  •  ኣብ ናይ ቤትትምህርቲ ስራሓት ዘድልየካ ደገፍ ምርካብ
  • ንትምህርት ወይ ካልእ ንጥፈታት ሓገዝ ምርካብ

 

 መንበሪ

እዚ ዚስዕብ መሰል ኣሎካ፤ 

  • ኣብ ውሑስን ድሕነት ዘለዎም ኣከባቢ ምንባር
  • ኣብቲ እትነብረሉ ቦታ እንታይ ሕግታትን መምርሕታትን ከም ዘሎ ምፍላጥ
  • ከም ሰብ መጠን ክብረት ምርካብ
  • ምስ እትደሊ ምስቶም ሰራሕተኛታት ወይ ወለዲ ገዛ ስድራቤት (familjehemsförälder) ክትዘራረብ ምኽኣል
  • ኩሉ ንብረትካ ውሑስ ንምዃን

Hus med paraply

 

 

ጥዕናን መግብን

እዚ ዚስዕብ መሰል ኣሎካ፤ 

  • ዘድልየካ ናይ ጥዕናን ክንክንን ከምኡውን ሕክምና ስንን ምርካብ
  • መኣዛታት ዘለዎን ዝሰማመዓካን መግቢ ንምርካብ፡ ማለት ኣሕምልቲ ጥራይ ትበልዕ ምስ እትኸውን፡ ከምኡውን ብሓድሓደ ምኽንያት ገለ መግብታት ዘይትበልዕ ምስ እትኸውን

hälsa

 

 ምስ ወለድን ኣዕሩኽን ዚህሉ ርክባት

እዚ ዚስዕብ መሰል ኣሎካ፤ 

  • ምስ ወለድኻን ኣሕዋትካን ኣሓትካን ወይ ካልኦት ኣገደስቲ እዮም እትብሎም ሰባት ርክብ ምግባር። ቅድም ድልየትካ እዩ ኣብ ግምት ዚኣቱ። ወላኳ ኩሉ ግዜ ከምቲ እትደልዮ እንተ ዘይኮነ። እቲ ማሕበራዊ ኣገልጋሊኻ ብተወሳኺ ኣየናይ መምርሒ ከም ዚሰርሕ ኪነግረካ እዩ።
  • ንኣኻ LVU-vård ምስ ዚውሰነልካ፡ እቲ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ነቲ ምስ ወለድኻ ዚህልወካ ርክብ ከመይ ከም ዚመስል ይውስን። 15 ዓመት እንተ መሊእካ ንኸምዚ ዝበለ ውሳነ ይግባይ ክትብለሉ ትኽእል ኢኻ።

 

ገለ ነገር ጽቡቕ ምስ ዘይከይድ ወይ ምስራሕ ምስ ዝኣቢ ምስ መን እየ ዝዛረብ?

  • ብመጀመርታ፡ ምስ ገዛ ቤተሰብካ፡ ናይ HVB-ገዛ ሰራሕተኛታት ወይ ከኣ ምስ እትኣምኖ ዕብይ ዝበለ ሰብ ክትዛረብ ይግባእ።
  • ብዛዕባ ኩነታትካ ወይ ብዛዕባኻ እንታይ ይውጠን ከም ዘሎ ርእይቶ ምስ ዚህልወካ ወይ ምስ ወለድኻን ምስ ካልኦትን ብምርኻብካ ዕጉብ እንተ ደኣ ዘይኮንካ፡ ምስቲ ማሕበራዊ ኣገልጋሊኻ ክትዛረብ ይግባእ።
  • ንማሕበራዊ ኣገልጋሊኻ ክትረኽቦ እንተ ዘይክኢልካ ወይ ድማ ብዛዕባቲ እትዛረቦ ዘይግደስ ምዃኑ ምስ እትግምት፡ ነቲ ናይ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ሓላፊ ክትውከሶ ትኽእል።

 

 ምስ IVO ርክብ ግበር 

  • ብዛዕባ መሰላትካ ክትሓትት ወይ ድማ እቲ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ወይ እቲ ክፍሊ ክንክን ጥዕና ጽቡቕ ከም ዘይሰርሕ ክትዛረብ ምስ እትደሊ ምስ IVO ተራኸብ።
  • IVO ንህጻናትን ንመንእሰያትን ዝኾነ ፍሉይ ቍጽሪ ተለፎን፡ ኢመይልን ቻትን፡ ናይ ቆልዑን መንእሰያትን መስመራት IVO:s Barn- och ungdomslinje ኣለዎ። ኣብ ታሕቲ ንተለፎንን ኢመይልን ዚልምከት ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል።
  • IVO ክትረኽቦ ከሎኻ ስምካ ምጥቃስ ኣየድልን። ይኹንምበር (IVO:s Barn- och ungdomslinje) ነቲ ሕቶ ብዝያዳ ከብራህርሆ ወይ ኪምርምሮ እንተ ደሊኻ፡ ዝያዳ ክንፈልጥ ወይ ኪበርሃልና የድሊ። ንኣብነት እቲ ሕቶ ነየናይ HVB-ገዛ ወይ ነየናይ ገዛ ስድራቤት ከም ዚምልከት።

 

IVO ንማሕበራዊ ኣገልግሎት ይቆጻጸሮ እዩ፡ እዚ ኸኣ

  • IVO ቆልዑን መንእሰያትን ብመገዲ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ግሩምን ዘዕግብን ክንክን ጥዕና ንኺረኽቡ ይቆጻጸር።
  • IVO ማሕበራዊ ኣገልግሎት ነቲ ጉዳይካ ብመሰረት ሕግም መምርሕን ኪሕዙዎ ብማለት ይቆጻጻር።
  • ንወላ ሓደ ፍቓድ ከይሓተትካ ምስ IVO ክትዘራረብ መሰል ኣሎካ።
  • IVO ዓመት ዓመት ኣብ HVB-ገዛ ብምብጻሕ ቍጽጽር ከካይድ ፍሉይ ሓላፍነት ኣለዎ።

IVO och lagbok