ከመይ ከም ዚሰርሕ ንምፍላጥ: ኣብቲ እትቕመጡሉ ገዛ ምብጻሕ ንገብር።

እዞም ኣብ ኢቮ ዘለና: ኣብቲ እትቕመጡሉ ኣብ ሆቨበ (HVB) ወይ ገዛ ደገፍ (Stödboende) ኵነታት ከመይ ከም ዘሎ ንምፍላጥ እንተ ወሓደ ሓንሳእ ኣብ ዓመት ምብጻሕ ንገብር። እቲ ኣውራ እንግደሰሉ ነገር: ንስኻትኩም መንእሰያት ዘቕስንን ዘተኣማምንን ገዛ ኪህልወኩም: ጠለባትኩም ኪስማዕን ዘድልየኩም ደገፍ ክትረኽቡን ምርግጋጽ’ዩ።

ኣብዛ ”IVO för dig på HVB eller stödboende” እትበሃል ፊልም: እዚ ቍጽጽር ኢልና እንጽውዖ ምብጻሕ ብኸመይ ከም ዚዕመም ክትርእዩ ኢኹም። ስለምንታይ ቍጽጽር ከም ንገብርን: እቲ ቍጽጽር ናብ ምንታይ ከም ዘምርሕን ንሕብር። ኢቮ ኣብቲ እትቕመጡሉ ገዛ እንታይ ጽልዋ ክንገብር ከም ንኽእል ወይ ከም ዘይንኽእል’ውን ትፈልጡ።

 

ነታ ፊልም ብሓያለ ቋንቋታት ክትርእይዋ ትደልዩ’ዶ፧ ኣብዚ ጠውቑ። 

 

ብዛዕባ ቍጽጽራትና ብዚያዳ ክትፈልጡ ትደልዩ’ዶ፧ እሞ ኣብቲ ሜኑ ንእትቕመጡሉ ዓይነት መንበሪ ገዛ ጠውቑ።