ሓበሬታ ንኣብ ስቶድቡአንደ (መንእሰያት ቍሩብ ሓገዝ እንዳ ተገብረሎም ዝቕመጥሉ መንበሪ) ዝነብሩ መንእሰያት

እቲ ትነብረሉ ስቶድቡአንድ ከመይ ከም ዝሰርሕ ንምርኣይ ምብጻሕ ክንፍጽም ኢና። እዚ ምብጻሕ ቍጽጽር ይብሃል። ምሳና ክትዘራረብ እንተ ደሊኻ፡ ነቶም ሰራሕተኛታት ክትሕብሮም ወይ ንዓና ምስ መጻእና ክትነግረና ትኽእል ኢኻ። ኣስተርጓሚ ዘድልየካ እንተ ኾይኑ ክንቅርበልካ ንኽእል ኢና።

ስለምንታይኢናነቲትነብረሉስቶድቡአንደንቈጻጸሮዘለና? Lagbok

ቍጽጽር ሕክምናን ማሕበራዊ ሓልዮትን (IVO) ንስቶድቡአንደ ናይ መንእሰያት ቍጽጽር ክገብረሉ ከም ዘለዎ ኣብ ሕጊ ሰፊሩ ኣሎ። ሓደ ሓደ ግዜ እቶም ሰራሕተኛታት ናይቲ ስቶድቡአንደ ኣቐዲሞም ብዛዕባ እቲ ቍጽጽር ይፈልጡ እዮም። ሓደ ሓደ ግዜ ድማ  ዝኾነ ሰብ ከይፈለጠ ንመጽእ።

 

እዚቍጽጽርለውጢክገብርይኽእልድዩ?

 እወ። ነቲ ስቶድቡአንደ ንምርምሮ፡ መታን ነቶም ዘለዎ ሕግታትን መምርሕታትን ክስዕብዎም እዩ። እቲ ኣገዳሲ፡ ንስኹም መንእሰያት ሓደ ውሑስን ድሕነት ዘለዎን መንበሪ ከም ዘለኩም፣ ከም ትስምዑን ዘድልየኩም ሓገዝ ከም ትረኽቡን ምርግጋጽ እዩ። ጌጋ እዩ  ወይ ክቕየር የድልዮ ትብሎ ነገር ምስ ዝህሉ ብቐዳምነት ምስቶም ኣብ'ቲ ናትካ ስቶድቡአንደ ዘለዉ ሰራሕተኛታት ወይ ማሕበራዊ ሰራሕተኛ ክትዘራረበሉ ኣለካ።  ዘይተሰማዕካ ኾይኑ እንተ ተሰሚዑካ ወይ ውሕስነት እንተ ዘይተሰሚዑካ ግን  ምሳና ኣብ IVO ንሰርሕ ክትዛረብ ትኽእል።

 

ሓታቲ ዑቕባ እንተ ኾንካ እሞ ብዛዕባ ሕቶ ዑቕባኻ ዝምልከት ሕቶ ምስ ዝህልወካ ምስ በዓል መዚ ኢሚግረሽን ተራኸብ። IVO ምስ ናይ ዑቕባ ሕቶ ዝምልከት ኣይሰርሕን እዩ። ኣብ ሽወደን ክትጸንሕ ንኽፍቀደካ ድማ ክጸሉ ኣይክእል እዩ።

Fritidsaktiviteter

 

ኣብእዋንቍጽጽርእንታይይፍጸም?

ኣብ ነፍስ ወከፍ ቍጽጽር ምስ ሓደ ካብቶም ኣብቲ ስቶድቡአንደ ዝሰርሑ ሰባትን  ምስቶም ከዛርቡና ዝደልዩን ተኽእሎ ዘለዎምን መንእሰያት ንራኸብ።  ተሰማሚዑካ እንተ'ሎ፣ እቶም ሰራሕተኛታት እቲ ዘድልየካ ሓገዝ ዝህቡኻ እንተ ኾይኖምን ውሑስ ኾይኑ ይስምዓካ እንተ'ሎን ክንፈልጥ ንደሊ ኢና። ኣብ ክንድኡ ሓደ ሓደ ግዜ እቲ ዝርርብ ምሳኹም መንእሰያት ድሕሪ እቲ ቍጽጽር ብተለፎን ክግበር ይከኣል እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ እዋን ዝርርብ ዝተዛረብናሎም ምስ ኣመሓዳሪ ናይቲ ስቶድቡአንደ ወይ ማሕበራዊ ሰራሕተኛ ክንዘራረቡሉ ንደሊ ኢና።

 

ድሕሪኡእንታይይፍጸም? 

ድሕሪኡ፡ እቶም ሰራሕተኛታት ክልውጥዎ ዘድልዮም ነገር ኣሎ ኢልና እንተ ሓሲብና፡  ነቲ ስቶድቡአንደ ብኸመይ ከም ዝገምገምናዮ ዝገልጽ ውሳነ ንጽሕፍ።  እቲ ውሳነ ከም ሓደ ጸብጻብ የገልግል።  ጽማቍ ትሕዝቶ ናይ መን እንታይ ኢሉ ከይተነግረ ፡ ንስኻትኩም መንእሰያት ዝሓበርኩሞ እውን ኣለዎ። ኣብቲ ውሳነ ዝተጻሕፈ ናይ ምፍላጥ ወትሩ መሰል ኣለካ። ነቶም ኣብቲ ናትካ ስቶድቡአንደ ዝሰርሑ ሕተቶም።

 

ምሳናኣብዝኾነግዜተራኸብ

IVO telefon

ምሳና ኣብ IVO ዘለና ክትዛረብ እንተ ደሊኻ፡ ቅድሚ ወይ ድሕሪ እቲ ምብጻሕ ነቶም ናትካ ስቶድቡአንደ ዝበጻሕና ክትድውለልና ወይ ኢመይል ክትሰደልና ትኽእል ኢኻ። እቶም ሰራሕተኛታት ተለፎን ቍጽርናን ኣድራሻናን ኣለዎም። ከምኡ'ውን ብዛዕባ መሰላትካ ክትሓትት እንተ ደሊኻ ወይ ኣብ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ወይ ኣገልግሎት ጥዕና ጽቡቕ ዘየለ ነገር ክትሕብር እንተ ደሊኻ ምስ ናይ ቈልዑን መንእሰያትን መስመር ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ።