ንሕና ናብቲ ገዛኻ HVB እንበጽሕ ዘሎና ከመይ ከም ዚሰርሕ ንምርኣይ እዩ።

ንስኻ ኣብ ናይ ክንክን ቤት ወይ መንበሪ ቤት(HVB) እትነብር፡ ነቲናትካ HVB-ቤት ክንበጽሖ ከሎና ብዛዕባ ምቍጽጻር ሕክምናን ክንክንን(IVO) ምሳና ክትመያየጥ ተኽእሎ ኣሎካ።

SiS እቲ ፍሉይ ናይ መንእሰያት ቤት፡ HVB እውን እዩ። እቲ ምብጻሕ፡ ምቍጽጻር ይብሃል። ምሳና ክትመያየጥ ምስ እትደሊ ነቶም ሰራሕተኛታት ወይ ከኣ ክንመጽእ ከሎና ንዓና ተዛረበና። ተርጓማይ ምስ ዘድልየካ ክንቅርበልካ ንኽእል ኢና።

 

ስለምንታይኢናነቲናትካ HVB እንቆጻጸሮ?

ክፍሊ ምቍጽጻር ሕክምናን ክንክንን(IVO) ነቲ ናይ ህጻናትን መንእሰያትን HVB ኪቆጻጸሮ ከም ዘሎዎ ኣብቲ ሕጊ ሰፊሩ ኣሎ። ሓድሓደ ግዜ እቲ ኣብቲ HVB-ቤት ዘሎ ሰራሕተኛ ኣቐዲሙ ብዛዕባ ቍጽጽር ምክያዱ ይፈልጥ እዩ፡ ሓድሓደ ግዜ ግን ሰብ ገና ከይፈለጠ ኸሎ ንመጽእ።Lagbok

 

እቲ ምቍጽጻራት ለውጢ ይገብርዶ?

እወ። ነቲHVB-ቤት እንግምግሞ መታን ነቲ ዘሎ መምርሕታትን ሕግታትን ንኺስዕቡ እዩ። እቲ ኣገዳሲ ነገር፡ ንስኻትኩም ህጻናትን መንእሰያትን፡ውሑስን ድሕነት ዘለዎን ሕክምናዊ ኣገልግሎትን ኽትረኽቡ እዩ። ሓደ ነገር ቅኑዕ የለን ወይ ኪቕየር ኣለዎ ኢልካ ምስ እትሓስብ ብቐዳምነት ነቲ ኣብ ናትካ HVB ዘሎ ሰራሕተኛ ክትውከሶ ይግባእ ወይ ድማ ነቲ ማሕበራዊ ኣገልግሎት። IVO ነቲ ዚቐርብ መግቢ፡ ንብዝሒ ኣብቲ HVB-ገዛ ዚካየድ ንጥፈታት፡ ነቲ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣብ ናትካ ድሌት ክንክን ዘዘውትሮ ኣገባብ፡ ኪቕይሮ ኣይክእልን። ገና ሕቶኻ ከም ዘይተሰምዐ ኾይኑ ምስ ዚስመዓካ ወይ ድማ ውሕስነት ምስ ዘይስምዓካ ንዓና ነቶም ኣብ IVO ዘሎና ክትዛረበና ትኽእል።

 

ሓታቲ ዑቕባ ምስ እትኸውን እሞ ነዚ ዚምልከት ሕቶታት ምስ ዚህልወካ ንሚግረሽን ክትውከሶ ትኽእል። IVO ኣብ ሕቶታት ዑቕባ ኣይነጥፍን፡ ኣብ ሽወደን ንኽትጸንሕ ድማ ጽልዋ ኪገብር ኣይክእልን።

Fritidsaktiviteter

 

ኣብ ግዜ ቍጽጽር እንታይ ይፍጸም?

ኣብ ነፍስወከፍ ቍጽጽር ገለ ካብቶም ኣብ HVB-ገዛ ዚሰርሑን ነቶም ምሳና ኪዘራረቡ ዕድል ኪህልዎም ዚደልዩ ቆልዑትን ንረኽቦም። ደስ ዚብለካ ምዃኑን እቶም ሰራሕተኛታት ጽቡቕ ገይሮም ይሕዙኻ ምዃኖምን ውሕስነት ይስምዓካ ምዃኑን ክንፈልጥ ንደሊ። ሓድሓደ ግዜ ድሕሪቲ ቍጽጽር ምስቲ ህጻን ወይ መንእሰይ ውላድኩም ብተለፎን ዝርርብ ይካየድ እዩ። ሓድሓደ ግዜ ብዛዕባቲ ኣብቲ ምይይጥ እተላዕለ ነጥብታት ምስ HVB-ቤት ወይ ምስ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ክንዛረበሉ ንደሊኢና።

 

ብድሕርዚ እንታይ ይመጽእ? 

ብድሕርዚ ንሕና ነቲ HVB-ቤት ከመይ ከም ዝገምገምናዮ ዚገልጽ ውሳነ ንጽሕፍ - እቶም ሰራሕተኛታት ኪልውጡዎ ዚደልዩ ነገራት ኣሎ እንተ ኾይኑ። እቲ ውሳነ ከም ሪፖርት እዩ ዚሰርሕ፡ ማለት ጽማቝ ናይቲ ኩሉቲ ንስኻትኩም ህጻናትን መንእሰያትን ዝበልኩምዎ ከይተረፈ- ማለት፡ መንን እንታይን ከምዝበለን ከይተነግረ። ኣብቲ ውሳነ እንታይ ከም ዚጽሓፍ ንምፍላጥ ንኽትሳተፍ መሰል ኣሎካ። ነቶም ኣብቲ HVB ዘለዉ ሰራሕተኛታት ተወከሶም.

 

ኣብ ዝኾነ እዋን ርኽበና

ቅድሚ ወይ ድሕርቲ ምብጻሕ፡ ምስ ሓድሓደ ኣብቲ IVO ዘሎና ክትዛረበና ምስ እትደሊ ነቶም ነቲ ናትካ HVB ዝበጻሕናዮ ሰባት ደውልና ወይ ድማ ኣብ IVO ኢመይል ግበረልና ። እቶም ሰራሕተኛታት ናትና ተለፎንን ኣድራሻንውን ኣለዎም። ንመሰላትካ ዚምልከት ሕቶታት ምስ ዚህልወካ ምስቲ ናይ ህጻናትን መንእሰያትን መስመር እውን ርክብ ክትገብር ትኽእል ኢኻ። IVO telefon