Logotyp IVO

መስመር ቈልዑን መንእሰያትን ኢቮ (IVO:s barn- och ungdomslinje)

– ብዛዕባ መሰላትኩም ዚያዳ ክትፈልጡ እንተ ደሊኹም: ወይ ብግቡእ ዘይሰርሕ ነገር እንተሎ ክትሕብሩ እንተ ደሊኹም።

ዘዕግብ ሕክምናን ሓልዮትን ኪግበረልኩም መሰል ኣሎኩም። ብውሑዱ እዚ ማለት: ክትሓሙ ወይ ጥዕና ክትስእኑ ከለኹም: ሕክምና ክትሓቱ ኪጽግመኩም የብሉን ማለት’ዩ።

 

ኢቮ (IVO): ቤ/ጽ ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ኣገልግሎት ሕክምናን ንዘለዉ ሕግታትን መምርሕታትን ተኸቲሎም ከም ዚሰርሑ ይገብር። እቶም ትረኽብዎም ሰብ መዚ ዘይሰምዑኹም እንተ ኾይኖም: ወይ መሰላትኩም ዘየኽብሩ እንተ ኾይኖም: ነዚ ዚስዕብ ንምግባር ምስ መስመር ቈልዑን መንእሰያት ኢቮ (IVO: barn- och ungdomslinje) ርክብ ግበሩ:-

 

  • ብዛዕባ መሰላትኩም ክትሓቱ
  • ብዛዕባ’ቲ ኣብ ክፍሊ ሕክምና ይዅን ኣብ ቤ/ጽ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ብግቡእ ዘይሰርሕ ነገር ክትሕብሩ።

 

እዚ ብናጻ ዚግበር’ዩ፤ ስምካ ምጥቃስ ከኣ ግድን ኣየድልይን። ኣስተርጓሚ ዘድልየኩም እንተኾይኑ ሓብሩ’ሞ ክንእዝዘልኩም ኢና።

 

ድሃይ ካብ ምግባር ኣይትወላወሉ። ምእንታኹም ኢና ኣብዚ ዘለና!