መሰላትካ ኣብ ሓደ ስቶድቡኤንደ (መንእሰያት ቍሩብ ሓገዝ እንዳ ተገብረሎም ዝቕመጥሉ መንበሪ)

ኵሎም ደቂ ሰባት ማዕረ ክብሪ ኣለዎም። ንስኻን ኵሎም ካልኦት ቈልዑን መንእሰያትን ኣብ ሓደ ውሑስ ኣከባቢ ክትዓብዩ መሰል ኣለኩም።
ንዓኻ ንዝምልከቱ ነገራት ክትሓትትን መልሲ ክትረኽበሎምን መሰል ኣለካ። ንዓኻ ዝምልከት መደብ ክወጽእ ከሎ ሓሳባትካ ናይ ምሃብ መሰል ኣለካ። እቲ ዘድልየካ ሓገዝን ደገፍን ናይ ምርካብ መሰል ኣለካ።
ናይ'ዚ ዝስዕብ መሰል ኣለካ፦
-
ስለ ምንታይ ኣብ ሓደ ስቶድቡኤንደ ትነብር ከምዘለኻ ምፍላጥ።
-
ንዓኻ ዝምልከት መደባት ክወጽእ ከሎ ኣብቲ ምውጻእ መደባት ምስታፍ፡ ንኣብነት ኣብዚ ዘለኻዮ መንበሪ ንኽንደይ እዋን ክትጸንሕ ተሓሲቡ ከም ዘሎን ድሕሪኡ ናበይ ከም ትግዕዝን።
-
ናትካ ማሕበራዊ ሰራሕተኛ መን ሙኳኑን ብኸመይ ክትረኽቦ ከም ትኽእልን ምፍላጥ።
-
ናትካ ማሕበራዊ ሰራሕተኛ ምሳኻ ናይ ምርኻብን፣ ምብጻሕካን ከመይ ትኸይድ ከም ዘለኻን ናይ ምክትታል ሓላፍነት ኣለዎ።
-
ምስ ናትካ ማሕበራዊ ሰራሕተኛ ብብሕቲ ምዝራብ።
-
ዝመስለካ ክትዛረብን ክትስማዕ ከም ዘለካን።
-
ንመቕጻዕቲ ክትቃላዕ ከም ዘይብልካ።
-
ብዛዕባኻ እንታይ ከም ዝጸሓፍ ክትፈልጥ ከም ትኽእል። ዘይተረደኣካ ወይ ብዛዕባ ሓደ ነገር ብዝያዳ ክትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ደጊምካ ክትሓትት መሰል ኣለካ።
-
ገለ ነገር ጌጋ ኾይኑ ክስምዓካ ከሎ ርእይቶኻ ኣብ ናትካ መዝገብ ክምዝገብ መሰል ኣለካ።
-
የድልየኒ እዩ እትብሎ ናብ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ምምልካት።
-
ማሕበራዊ ኣገልግሎት ብዛዕባኻ ንዝወሰኖ ይግባይ ምባል።
-
ማሕበራዊ ኣገልግሎት ንዘቕረቦ ሓሳባት ምቕባል ወይ ምንጻግ። ንኣብነት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ናትካ ኣብ ሓደ ስቶድቡአንደ፣ ሆቨበ ወይ ምስ ካልእ ስድራ ምንባር ክውስኑ ንክኽእሉ፡ ናትካ ሕራይ ምባል የድልዮም እዩ። ግን እቲ ውሳነ ብመሰረት ሕጊ ብዛዕባ ክንክን ንመንእሰያት (LVU) እንተ ኾይኑ እዚ ኣየገልግልን እዩ።
ቤት ትምህርቲ ወይ ካልእ ንጥፈት
ናይ'ዚ ዝስዕብ መሰል ኣለካ፡
-
ኣብ ናይ ትምህርቲ ዕዮ ዘድልየካ ደገፍ ምርካብ።
-
ንምምሃር ወይ ካልእ ንጥፈት ሓገዝ ምርካብ።
መንበሪ
ናይ'ዚ ዝስዕብ መሰል ኣለካ፡
-
ኣብ ሓደ ውሑስን ድሕነት ዘለዎን ኣከባቢ ምንባር።
-
ኣብቲ ትነብረሉ ኣየኖት ሕግታትን መምርሕታትን ከም ዘለዉ ምፍላጥ።
-
ዝኾንካ ኹን ክትክበር ኣለካ።
-
ከድልየካ ኸሎ ምስ ሰራሕተኛታት ክትዛረብ ምኽኣል።
-
ውልቃዊ ንብረትካ ብሰላም ምውናኖም።
ጥዕና
ናይ'ዚ ዝስዕብ መሰል ኣለካ፡
-
እቲ ዘድልየካ ሕክምናን ሕክምና ስኒን ምርካብ ( ወዲ 18 ዓመት ወይ ካብኡ ትዓቢን መንበሪ ፍቓድ ኣብ ሽወደን ዘይብልካን እንተ ኾንካ፡ ፍሉይ መምርሒታት እዩ ዘገልግል)።
ርክብ ምስ ወለድን ኣዕርኽን
ናይ'ዚ ዝስዕብ መሰል ኣለካ፡
-
ምስ ወለድኻ፣ ኣሕዋትካ፣ ወኪልካ ወይ ካልኦት ንስኻ ኣገደስቲ እዮም ትብሎም ሰባት ክትራኸብ ክትክእል። ካልእ እንተ ተወሲኑ ናትካ ማሕበራዊ ሰራሕተኛ ብዝያዳ ብዛዕባ እቲ ኣብ ግብሪ ክውዕል ዘለዎ ክሕብረካ ይኽእል እዩ።
-
ክንክን ብመሰረት ሕጊ ብዛዕባ ክንክን ንመንእሰያት LVU እንተ ተወሲኑልካ ኾይኑ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ርክብካ ንኣብነት ምስ ወለድኻ ከመይ ከም ዝመስል ክውስኑ ይኽእሉ እዮም። ንኸምዚ ዓይነት ውሳነ ናብ ቤት ፍርዲ ይግባይ ክትብለሉ ትኽእል ኢኻ።
ገለ ነገር ጽቡቕ ከም ዘየለ ኾይኑ እንተ ተሰሚዑኒ ወይ ሕማቕ ይኸይድ እንተ'ሎ ምስ መን እየ ክዛረብ?
-
ብቐዳምነት ምስቶም ሰራሕተኛታት ናይቲ ስቶድቡአንደ ወይ ካልእ ትኣምኖ ዓቢ ሰብ ክትዛረብ ይግብኣካ።
-
ብዛዕባ ኵነታትካ፣ ብዛዕባ ወጺኡልካ ዘሎ መደብ ርእይቶታት እንተ'ለካ ኾይኑ ወይ ብዛዕባ ንወለድካ ወይ ካልኦት ሰባት ትረኽበሉ ኣገባብ ዕጉብ እንተደኣ ዘይኴንካ፡ ምስ ናትካ ማሕበራዊ ሰራሕተኛ ክትዛረብ ይግብኣካ።
-
ናትካ ማሕበራዊ ሰራሕተኛ ክትረኽቦ እንተ ዘይክኢልካ ወይ ብዛዕባ እቲ ዝነገርካዮ ዘይግደስ ኾይኑ እንተ ተሰሚዑካ፡ ምስ ናይቲ ማሕበራዊ ሰራሕተኛ ሓላፊ ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ።
ምስ ቍጽጽር ሕክምናን ማሕበራዊ ሓልዮትን IVO ርክብ ግበር
-
ብዛዕባ መሰላትካ ክትሓትት እንተ ደሊኻ ወይ ኣብ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ወይ ኣገልግሎት ጥዕና ጽቡቕ ዘየለ ነገር ክትሕብር እንተ ደሊኻ ምስ IVO ተራኸብ።
-
IVO፡ IVO:s barn- och ungdomslinje ዝበሃል ንቈልዑን መንእሰያትን ሓደ ፍሉይ ቍጽሪ ተለፎን፣ ኣድራሻ ኢመይልን ኣለዎ።
-
ስምካ ከይነገርካ ምስ IVO ርክብ ክትገብር መሰል ኣለካ። ንኣብነት IVO ነቲ ነገር ብዝያዳ ክምርምሮ ወይ ከጽንዖ እንተ ደሊኻ ግን መብዛሕትኡ ግዜ ቍሩብ ብዝያዳ ክንፈልጥ ንደሊ ኢና። ንኣብነት ነየናይ ስቶድቡአንደ ከም ዝምልከት።
IVO ንማሕበራዊ ኣገልግሎት ይቆጻጸር እዩ። እዚ ማለት፦
- ቈልዑን መንእሰያትን ጽቡቕን ብሉጽን ሕክምናን መንበርን ይረኽቡ ምህላዎም ማሕበራዊ ኣገልግሎት ምርግጋጹ IVO ይቆጻጸር።
-
ማሕበራዊ ኣገልግሎት ንጕዳይካ ብመሰረት እቶም ዘለዉ ሕግታትን መምርሕታትን ሒዞሞ ከም ዘለዉ ይቆጻጸር።
-
ንዝኾነ ሰብ ፍቓድ ከይሓተትካ ምስ IVO ናይ ምዝራብ መሰል ኣለካ።
-
IVO ቍጽጽር ሕክምናን ማሕበራዊ ሓልዮትን፡ ዓመታዊ ኣብ ስቶድቡአንደ ናይ ቍጽጽር ምብጻሕ ክገብር ፍሉይ ሓላፍነት ኣለዎ።